Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዝፀሓፍዎ መፅሓፍ “ምድማር” ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተመሪቑ

0 31

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝፀሓፍዎ መፅሓፍ “ምድማር” ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዳራሽ ሚሌኒየም ኣዲስ ኣበባ  ብዕሊ ተመሪቑ።

ኣብ’ቲ ስነስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይን መከትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ምክትል ከንቲባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣብቲ መድረኽ ምረቓ፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ብምዃኖም አንኳዕ ደስ በሎም ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ብምዃን ሃገርና ኣብ መድረኽ ዓለም ብእወንታ ክትፅዋዕ ምግባሮም ምስጋና ይግበኦም እውን ኢሎም።

እንዲሁምከቤተሰባቸው እና ከራሳቸው ካላቸው ጊዜ ቀንሰው ይህንን የመሰለ መፅሃፍ ስላበረከቱልን እናመሰግናለን ብለዋል ኢንጂነር ታከለ በንግግራቸው።

ብተወሳኺ ናይ ግዘ መስውዋእቲ ብምግባር እቲ መፅሓፍ ስለዘበርከቱልና ነመስገን ክብሉ ገሊፆም።።

ምረቓ መፅሓፍ “ምድማር” ኣብ ከተማታት ኣዳማ፣ ጅማ፣ ጎንደር፣ ባህርዳር፣ ሃዋሳ፣ ድሬዳዋ፣ ጋምቤላ፣ ጅግጅጋን ሃረርን እውን ተመሪቑ ኢዩ።

ኣብ ስነ ሰርዓት እቲ ምረቓ፥ ነበርቲ እተን ከተማታት፣ ተሰማዕነት ዘለዎም ሰባት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስቲዮን ተረኺቦም።

እቲ መፅሓፍ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኦሮሚኛን እንግሊዘኛን ዝተፅሓፈ እንትኸውን፥ 1 ሚሊየን “ኮፒ”ታት ከምዝተሓተሙ ተገሊፁ።

ዋጋ እቲ መፅሓፍ 300 ከምዝኾነን ኣታዊኡ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንምህናፅ ከምዝውዕል ተሓቢሩ።

እቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ሎስ ኣንጀለስ፣ ሚኒሶታን ናይሮቢን ክፍፀም ኢዩ።

Comments
Loading...