Fana: At a Speed of Life!

ኬኒያ ንኹሎም ኣባላት ቦርድ መጓዓዝያ ጀልባ ኣባሪራ

0 65

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ ) ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡህሩ ኬንያታ ንኹሎም ኣባለት ቦርድ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ጀልባ እታ ሃገር ካብ ሓላፍነቶም ኣውሪደምዎም።

ፕሬዚዳንት ኬንያታ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣዶን ጓልን ዝሓዘት መኪና ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ካብታ ተሸኪማታ ዝነበረት መሰጋገሪት ጃልባ ሽተት ኢላ ድሕሪ ምጥሓላ እዮም ነቲ ስጉምቲ ወሲዶም ዘለዉ።

እቶም ኣባላት ቦርድ ነታ መኪና ንምውፃእ ዝድለ ፃዕሪ ኣይገበሩን ብዝብል ክንቀፉ ፀኒሖም እዮም።

ሰራሕተኛታት ሓይሊ ባሕሪ ኬኒያ ነታ ኣደን ጓልን ሒዛ ዝጠሐለት መኪና ንኸውፅኡ እኹል ዕጥቂ ስለዘይነበሮም ድማ ሰብ ሞያ ካብ ህንድን ደቡብ ኣፍሪካን ክመፅኡ ተገይሩ።

ቤተሰብ ግዳይ እቲ ሓደጋ ነቲ ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከምዝኸሱ “ዘ ስታር” ዝተብሃለት ጋዜጣ ሓቢራ።

እቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብቑዓት ብዘይኮኑ ጀላቡ ኣገልግሎት ብምሃብ ዝውቀስ ክኸውን እንከሎ፥ ኣብቲ ከባቢ ክስራሕ ተባሂሉ ዝነበረ መሰጋገሪ ድልድል ድማ ብሰንኪ ብልሽውና ከምዝተደናጎየ ይግለፅ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

Comments
Loading...