Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝፀሓፍዎ መፅሓፍ “ምድማር” ፅባሕ ቀዳም ክምረቕ ኢዩ

0 39

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝፀሓፍዎ መፅሓፍ “ምድማር” ፅባሕ ዕለተ ቀዳም 8 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ክምረቕ ኢዩ።

እቲ መፅሓፍ ብዋናነት ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ አዳማ፣ ጅማ፣ ባህር ዳር፣ ሃዋሳ፣ ድሬዳዋ፣ ጋምቤላ፣ ኣሶሳ፣ ጅግጅጋ፣ ሰመራን ሃረርን ክምረቕ ኢዩ።

ኣብ ስነ ሰርዓት እቲ ምረቓ፥ ነበርቲ እተን ከተማታት፣ ተሰማዕነት ዘለዎም ሰባት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስቲዮን ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ እዋን እቲ ምረቓ ብዛዕባ እቲ መፅሓፍ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ክወሃብ ኢዩ።

እቲ መፅሓፍ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኦሮሚኛን እንግሊዘኛን ዝተፅሓፈ እንትኸውን፥ 1 ሚሊየን “ኮፒ”ታት ከምዝተሓተሙ ተገሊፁ።

ዋጋ እቲ መፅሓፍ 300 ከምዝኾነን ኣታዊኡ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንምህናፅ ከምዝውዕል ተሓቢሩ።

እቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ሎስ ኣንጀለስ፣ ሚኒሶታን ናይሮቢን ክፍፀም ኢዩ።

Comments
Loading...