Fana: At a Speed of Life!

1 ነጥቢ 4 ቢልየን ዶላር ወፃኢ ዝተገበረሉ መገዲ ባቡር ኬኒያ ሎሚ ኣግልግሎት ምሃብ ክጅምር’ዩ

0 53

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኬንያ ካብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ናብታ 120 ኪሎ ሜትር ንሸነኽ ምዕራብ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ናቫሻ ዝዝርጋሕ መግዲ ባቡር ሎሚ መዓልቲ ንገያሾ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅምር ተገሊፁ።

እቲ ኣስታት 150 ቢልየን ሺሊንግ ወይ 1 ነጥቢ 4 ቢልን ዶላር ኣሜሪካ ዝወደአ ህንፀት መግዲ ባቡር፥ ብቻይናዊ ትካል ዝተሃንፀ ኢዩ።

ሎሚ መዓልቲ ዝኽፈት ዘሎ መገዲ ባቡር ካልኣይ ገፅ ኮይኑ፥ ካብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ናብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ዝዝርጋሕ መገዲ ባቡር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ወርሒ ግንቦት 2017 ተመሪቑ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ።

ዋጋ እቲ መገዲ ባቡር ካብቲ መጀመርታ ዝተተመኖ ኣርባዕተ ዕፅፊ፤ ካብቲ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ዋጋ ኸኣ ሰለስተ ዕፅፊ ብምኽባሩ መንግስቲ እታ ሃገር ቅርፂ መሬት ብዝሒ ቢንቶታትን ንሰብ መሬት ዝተውሃበ ካሕሳን ምኽንያት ከም ዝኾነ እዩ ዝገልፅ።

ካብዚ ንመንገዲ ባቡር መስርሒ ዝተሰለዐ ገንዘብ እቲ 80 ሚእታዊት ካብ ቻይና ብልቓሕ ዝተረኸበ ከምዝኾነ እውን ተዘሪቡ።

 

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...