Fana: At a Speed of Life!

ቱርኪ ኵናት ደው ንኸተብል ብኣመሪካ ንዝቐረበላ ፃውዒት ነፂጋቶ

0 38

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ሶሪያ ኣንፃር ኩርዳውያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንኸብልዎ ካብ ኣሜሪካ ንዝቐረበሎም  ፃውዒት ነፂገምዎ።

እቶም ፕሬዚዳንት ነዚ ዝበሉ፥ ምክትል ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ማይክ ፕንስን ፀሓፊ ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፕዮን ኣብ መንጎ ቱርክን ሓይልታት ኩርድን ናይ ሰላም ስምምዕ ክዝትዩ ናብ ቱርኪ ክኸዱ እናተዳለው ኣብ ዘለውሉ እዋን ኢዩ።

ሩስያ ኣብ መንጎ ወደሃደራት ሶሪያን ቱርከን ኲናት ንኽውላዕ ከም ዘይተፍቕድ ትማሊ ሰሉስ ምግላፃ ይዝከር።

ሩስያ ነዚ ዝገለፀት ሓይልታት ኩርድ ንሰራዊት ቱርኪ ንምዕጋት ምስ ሰራዊት መንግስቲ ሶሪያ ተሓባቢሮም ንኽቃለሱ ኣብ ስምምዕ ምስ በፅሑ ከምዝኾነ ይግለፅ።

ቱርኪ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረቶ መጥቃዕቲ ዕላማኡ ነቶም ከም ኣሸበርቲ እትቖፅሮም ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ሶሪያ ካብ ከባቢ ዶባታ ንምርሓቕ ከም ዝኾነ እያ እትገልፅ።

ብተወሳኺ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ነቶም ኩርዳውያን ሓይልታት ኣውፂእኻ ውሑስ ዞባ ንምፍጣር ዝዓለመ’ዩ ትብል።

ስለዝኾነ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ሶሪያ ኣንፃር ኩርዳውያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንኸብልዎ ካብ ኣሜሪካ ንዝቐረበሎም  ፃውዒት ነፂገምዎ።

ፕሬዚዳንት ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን፥ “ኣሜሪካ ነዚ ወተሃደራዊ ስርሒት ደው ንኽነብል ፀቕጢ ትገብር ኣላ። እገዳ ኣዊጃ። ዕላማና ግና ንፁር እዩ። እገዳ’ውን ኣይንፈርሕን” ክብሉ ተዛሪቦም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...