Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መቐለ 16 ሽሕን 600 ከረጢት ደም ንምእካብ ትልሚ ተታሒዙ

0 42

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥቅምቲ፣ 2012( ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓሰርተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ከረጢት ደም ንምእካብ ከም ዝተለመ ባንኪ ደም ከተማ መቀለ አፍሊጡ።

አብዛ ከተማ ዘሎ ሕጽረት ደም ንምፍታሕ ምስ አብያተ ትምህርቲ ብምዉዳድ ይስራሕ አሎ ተባሂሉ።

ዳሪክተር እቲ ባንኪ ደም አይተ ሳምሶም የማነ ከምዝበልዎ ዛጊድ 2,430 ከረጢት ደም ተአኪቡ ኢሎም።

አብቲ ዝሓለፈ ዓመት 13 ሺሕ ከረጢት ደም ንምእካብ ተሓሲቡ 8 ሺሕ ከረጢት ደም ጥራሕ እዩ ተዋህሊሉ ክብሉ ገሊፆም።

ብሓደጋ ትራፊክ ኮነ ብወሊድ ደም ንዝፈሰን አዴታት ንምድሓን ደም ምልጋስ ከምዘድሊ ተገሊጹ። ሓደ ዉልቀ ሰብ ብዝልግሶ ደም ንሂወት ሰለስተ ሰባት ድሕንነት ከምዝከዉን አይተ ሳምሶን ን ጣብያና ተዛሪቦም።

ብ ሳራ አብራሃለይ

Comments
Loading...