Fana: At a Speed of Life!

ፅባሕ ዕለተ ሰምበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ ይኹን ኣኼባ የለን-ፖሊስ

0 40

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ዕለተ ሰምበት 2 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ ይኹን ኣኼባ የለን ክብል ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ከምዝበሎ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ክካየድ ኢዩ ዝብል ዝናፈስ ዘሎ ወረ ሓሰት ኢዩ።

ስለዝኾነ ፅባሕ ዕለተ ሰምበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ ይኹን ኣኼባ የለን።

ብመሰረት እዚ ፅባሕ ዝዕፆ መገዲ ስለዘየለ ሕብረተሰብ ስሩዕ ምንቅስቓሱ ክገበር ከምዝግባእ ተዛሪቡ።

Comments
Loading...