Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኦሮሚያ 75 ጉልበት ፈረስ ዘለወን 114 ትራክተራት ንኢንተርፕራይዛት ኣረኪቡ

0 29

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክልል ኦሮሚያ 75 ጉልበት ፈረስ ዘለወን 114 ትራክተራት ንኢንተርፕራይዛት ሎሚ መዓልቲ ሂቡ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ቁልፊ እተን ትራክተራት ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣሩሲ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ነቶም ኢንተርፕራይዛት ኣረኪቦም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ኣተኣማማኒ እናኾነ ምምፅኡ ሓቢሮም።

ሓረስቶት ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ኣብ ረብሓ ብምውዓል ናብ ሜካናይዜሽን ንምእታው ዘኽእሉ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝፍፀሙ እውን ገሊፆም።

4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ማሽነሪታት ሕርሻ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ወፃኢ ዓዲ ንምእታው ይስራሕ ከምዘሎ ድማ ተዛሪቦም።

Comments
Loading...