Fana: At a Speed of Life!

ኬንያዊ ጎያዪ ኢሉድ ኪፕቾገ ንማራቶም ብትሕቲ 2 ሰዓት ዛዚሙ

0 25

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኬንያዊ ጎያያይ ኢሉድ ኪፕቾገ ሎሚ ኣብ ቬና ኣብ ዝገበሮ ውድድር ማራቶን ብትሕቲ  2 ሰዓት ብምውድኡ ታሪክ ሰሪሑ።

ኢሉድ ኪፕቾገ ን42ኪሎ ሜትሮ ብ1 ሰዓትን 59 ደቒቕን 40 ካልኢትን’ዩ ዛዚምዎ።

ኬንያዊ ጎያያይ ኢሉድ ኪፕቾገ፥ ንማራቶን ብትሕቲ 2 ሰዓት ንምዝዛም ኩሉ ምድላዋቱ ኣፃፊፉ ናብዚ ውድድር ኣትዩ ኢዩ።

ወዲ 34 ዓመት ኬንያዊ ጎያያይ ኢሉድ ኪፕቾገ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2017 ንማራቶን ብ1 ሰዓትን 59 ደቂቕን ንምዝዛም ዝገበሮ ፈተነ 26 ካልኢት ብምድንጓዩ ክሰምረሉ ኣይከኣለን።

እቲ ክብረ ወሰን ውድድር ማራቶን ሒዙ ዘሎ ጎያያይ፥ ሎሚ ቀዳም ዘመዝግቦ ግዜ ብኣቃላጠፍቲ(ካልኦት ተወዳደርቲ ስለዘይተሳተፍሉ) ስለዝሕገዝ ከም ክብረ ወሰን ኣይክተሓዘሉን’ዩ።

“ታሪኽ ንምስራሕ’የ ክጎዩ” ዝበለ ኬንያዊ ጎያያይ ኢሉድ ኪፕቾገ፥ “ንወዲ ሰብ ዝኽልክል ደረት ከምዘየለ ኸኣ ከርኢ’የ” እውን ኢሉ።

ኬንያዊ ኦሎምፒካዊ ጎያያይ ኢሉድ ኪፕቾገ ንማራቶን ሎንዶን፥ ሎሚ ዓመት ብ2 ሰዓተን 25 ካልኢትን ንራብዓይ ግዜ ተዓዊቱሉ።

ይኹን እምበር ነቲ ብናይክ ዝተዳለወ ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝተኻየደ “ሞንዛ ግረንድ” ዝተሰመየ ክብረ ወሰን ናይ ምስባር ፈተነ ክሰልጦ ኣይከኣለን።

Comments
Loading...