Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ሕክምና መኻንነት ንምሃብ ዘኽእል መባእታዊ ሆስፒታል ከህነፅ ኢዩ

0 38

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ሕክምና መኻንነት ንምሃብ ዘኽእል መባእታዊ ሆስፒታል ንምህናፅ ምስ ማሕበር ኣክስዮን ሓልዮት ሄልዝኬር ተፈራሪሙ።

ነቲ ስምምዕነት ዝፈረሙ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ፥ ብመንግስቲ ጥራሕ ስራሕቲ ግልጋሎት ጥዕና ንምሽፋን ስለዘይከኣል ምስ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ብሓባር ንምስራሕ ኣዋጅን መምርሕን ኣፅዲቕና ኣብ ምንቅስቓስ ንርከብ ኢሎም።

ዶ/ር ሓጎስ ምስ መኻንነት ተታሒዙ ዝፍጠር ፀገም ጥዕና ሕክምና ዝህብ ትካል ኣብ ሃገርና ብዘይምህላዉ ብርክት ዝበለ ሕብረተሰብ እቲ ፀገም እንተጋጥሞ ብዙሕ ገንዘብ ብምኽፋል ናብ ህንዲ፣ ታይላንድ ዝኸድሉ ኩነታት እዩ ዘሎ እውን ኢሎም።

በዚ ድማ ቁጠባዊ ጉድኣት ኣብ ህዝብና ይበፅሕ ሰለ ዘሎ መንግስቲ ትግራይ ውልቀ ሰብ ሃፍትን ሰብ ሞያ ማሕበራትን ኣበርቲዖም ዝሰርሐሉ ባይታ ኣመዓራርዩ ከምዘሎ ገሊፆም።

ፍዕልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

Comments
Loading...