Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 17 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

0 37

ኣዲስ ኣበባ፣ 01  ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወረዳ ሰቆጣ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 17 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

እቲ ሓደጋ ትማሊ ሰዓት 11፡30 ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ብምኽኒያት እቲ ሓደጋ 7 ሰባት ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ።

ካብ ወልዲያ ናብ ሰቆጣ ዝጓዓዝ ዝነበረ መኪና ካብ ልክዑ ንላዕሊ 25 ሰባት ኣሳፊሩ እንተሎ ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝኾነ እውን ቤት ፅሕፈት ትራፊክ ፖሊስ እቲ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ብምኽኒያት እቲ ሓደጋ፥ ሓንቲ ኣዶ ምስ ሰለስተ ደቀን፣ ኣርባዕተ ኣዶታትን ህፃውንቲን፣ ሰብኣይን ሰበይቲን፣ ሓደ ኣቦ ምስ ደቆም ህይወቶም ከምዝሰኣኑ አውን ተሓቢሩ።

Comments
Loading...