Fana: At a Speed of Life!

ብፁዕ ኣቡነ ማቲያስ ቀ/ይ ሚ/ር ዶ/ር ኣቢይ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ብምዃኖም “እንኳዕ ደስ በሎም” ክብሉ መልእኽቲ ታሕጓስ ገሊፆም

0 124

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ብምዃኖም ብፁዕ ኣቡነ ማቲያስ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ናይ “እንኳዕ ደስ በሎም” መልእኽቲ ታሕጓስ ገሊፆም።

ብፁዕ ኣቡነ ማቲያስ ብምኽኒያት እቲ ሽልማት ዝተሰመዖም ታሕጓስ ብስም ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ገሊፆም።

እቲ ሽልማት ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ሓድነትን ንክነግስ ንዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ዘለዓዕልን ኣፍልጦ ዝህብን ኢዩ እውን ኢሎም።

Comments
Loading...