Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ምስ ፕሬዚዳንት ሲሲ ብስልኪ ተዛቲዮም

0 34

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ጥቅምቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኣብዱል ፈታህ ኤል ሲ ሲ  ብስልኪ ተዛቲዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ትማሊ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኣብ ክሊ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ድርድር ብዝምልከት ትኹረት ብምግባር ልዝብ ገይሮም።

ስለዝኾነ እቲ ግድብ ብዝምልከት ዝግበር ዘሎ ዘተ ክቕፅል ዝከኣለሉ ኩነታት ብዝምልከት ተዛቲዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ብምዃኖም ፕሬዚዳንት ኣብዱል ፈታህ ኤል ሲ ሲ  ንዝገለፅዎ መልእኽቲ ታሕጓስ ዶክተር ኣቢይ አመስጊኖም።

ግብፂ ኣብ ምልኣት ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪታ ዝሓዘቶ ቅዋም ቀይሕ መስመር ኢትዮጵያ ዝተሳገረ ብምዃኑ ምርድዳእ ከምዘይተኽኣለ ሚኒስቴር ማይ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ምግላፁ ይዝከር።

Comments
Loading...