Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዝረኸብዎ ሸልማት ኖቤል ንሰላም ዝተውሃበ ኢዩ

0 34

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝረኸብዎ ሸልማት ኖቤል ንሰላም ዝተውሃበ ኢዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ እቲ ህያብ ንሰላም ዝተውሃበ ስለዝኾነ ኢትዮጵያውያንን ንኢትዮጵያ ዝፈትዉ ኩሎም ኣካላትን ንሰላም ዘብዒ ንክኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ተረኺቡ ዘሎ ሽልማት ኖቤል ሰላም ሓበራዊ ዓወት ኢትዮጵያውያን ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ሓዳሽ ኣድማስ ተስፋ ብምግባር ዝማዕበለት ንክትከውን ዓሊሙ ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ድማ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ብምዕዋት ሎሚ መዓልቲ ቅድሚ ቀትሪ ዕላዊ ኣብ ዝተገበረ ሽልማት ሰላም፥ መበል 100 ተሸላሚ ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

Comments
Loading...