Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም እዚ ዓመት ኮይኖም

0 44

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ብምዃን ተዓዊቶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዓለም ለኻዊ ሰላምን ምትሕብባርን ንክህሉ ብዝገበርዎ ፃዕሪ ኢዮም እቲ ሽልማት ተዓዊቶም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርተራን ዝነበረ ወጥሪ ናብ ሰላም ብምቕያር እተን ሃገራት ሰላማዊ ርክብ ንክህልዎን ንዝገበርዎ ዘይተሓለለ ፃዕሪን ዘምፅእዎ ውፅኢትን፣ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዝነበረ ምንጋዕ ሰላም ተዋሳእቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ብምድርዳር ዕርቀ ሰነያ ምፍፃሞም ከምኡ እውን ኣብ ሶማሊያ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ብምፍትሖም ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ብምዃን ምዕዋቶም ኮሚቴ ሰላም ሽልማት ኖቤል ኣፍሊጡ።

ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት መሪሕነታዊ እጃም ንዘበርከቱ ውልቀሰባትን ትካላትን በብዓመቱ ዝወሃብ እንትኸውን፥ ኣብ ዓለምና ኣፍልጦ ካብ ዝረኸቡ ሽልማታት ብቐዳምነት ይርቋሕ።

ካብ 1901 ዓመተ ፈረንጂ ጀሚሩ ድማ 99 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተበርኪቶም ኣለው።

67 ዝኾኑ ሽልማታት ኖቤል ሰላም፡ ብውልቀ ንዝተዓወቱ ውልቀሰባት ዝተበርከቱ ኮይኖም፡ እቶም 30 ድማ ብጉጅለ ንዝተዓወቱ ተዋሂቦም።

ክልተ ሽልማታት ሰላም፡ ሰሰለስተ ኮይኖም ብጉጅለ ዝተዓወቱሉ ሰባት ኣለው።

እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ዝተውሃቡ ሽልማታት ብኣቆፃፅራ ኤውሮጳውያን ኣብ 1994 ከምኡ’ውን 2011 ኮይኑ፥ መራሒ ፍልስጤም ያሲር ዓራፋትን ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ሺሞን ፔሬዝን ቀዳማይ ሚኒስትር ይዝሃክ ራቢን ብሓባር ወሲዶም።

እቲ ኻልኣይ ድማ ፕሬዝደንት ላይቤሪያ ዝነበረት ኤለን ሰርሊፍ ጆንሰን፣ ላይቤሪያዊት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ሌይማህ ቦዊ ከምኡ’ውን የመናዊት ጋዜጠኛን ተሓላቒት መሰላትን ታዋኮል ካርማን እቲ ሽልማት ብሓባር ወሲደን።

ክሳብ ሕጂ፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ን106 ውልቀሰባትን 27 ትካላትን ተዋሂቡ ኣሎ።

ኮሚቴ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሰለስተ ግዘ እዚ ሽልማት ካብ ዝወሰዱ ትካላት ኮይኑ፡ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ድማ ክልተ ግዘ ተሸሊሙ።

ቀይሕ መስቀል፡ እዚ ሽልማት ሰለስተ ግዘ ብምውሳድ ብቐዳምነት እንትመርሕ፡ መስራቲ እዚ ትካል ሄንሪ ዱና ድማ ፈላማዊ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም’ዩ።

Comments
Loading...