Fana: At a Speed of Life!

ቱርኪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶርያ ብደብዳብ ነፈርቲ ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ጀሚራ

0 90

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዓሪዶም ዘለዉ ኩርዳውያን ሓይልታት መጥቃዕቲ ጀሚሩ።

እቲ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ብናይ ኣየር መጥቃዕትን ደብዳብ መዳፍዓትን ዝተሰነየ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ደብዳብ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ’ዩ ክብሉ እውን እቶም ኩርዳውያን ከሲሶም።

ፕሬዚዳንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን ከም ዝሓበርዎ፥ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ንኩርዳውያን ምሊሻ ኣውፂእካ ውሑስ ዞባ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብኣየር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፥ ብውሑዱ ክልተ ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብኩርዳውያን ተቓለስቲ ዝቘመ ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ ገሊፁ።

ኣሜሪካ ብወገና ነቲ ብቱርኪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶርያ ዝውሰድ ዘሎ መጥቃዕቲ ፍቓድ ከምዘይሃበት ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ  ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ገሊፆም።

እቶም ኩርዳውያን ተቓለስቲ፥ ነዚ ናይ ቱርኪ ድፍኢት ከም ዝምክትዎ ገሊፆም ኣለው።

ኩርዳውያን ዕጡቓት ኣብ ጐድኒ ኣሜሪካ ተሰሊፎም ነቶም ግበረ-ሽበራውያን ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ ምድምሳስ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወቱን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተቓለስቲ ዳዕሽን ኣዝማዶምን ኣብ ቤት-ማእሰርትን መዓስከራትን ኣሲሮም ይሕልውዎም ከምዘለው ይግለፅ።

ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ፥ ኣብ ዝተፈለለየ ቤት-ማእሰርታት ልዕሊ 12 ሺሕ ጥርጡራት ግበረ-ሽበራውያን ጉጅለ ዳዕሽ ሒዞሞ ከምዘለው ይሕብሩ።

ካብኦም ከኣ እቶም 4 ሺሕ ናይ ወፃኢ ዜጋታት እዮም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

 

Comments
Loading...