Fana: At a Speed of Life!

መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

0 37

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መራሕቲ ሃገራት ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያ፣ ኬኒያን ኡጋንዳን ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሃምዶክ፣ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፣ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሃመድ ኣብዱላሂ ሞሃመድ፣ ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁሩ ኬኒያታን ፕሬዚዳንት ኡጋንዳ ዮሪ ሙሴቪኒን ሎሚ መዓልቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

እቶም መራሕቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ዓሊሞም ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ እንትኾኑ፥ ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ምትሕብባር እተን ሃገራትን ከባብያዊ ዛዕባን ትኹረት ብምግባር ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዘተ ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ብዕሊ ተመሪቑ ንዑደተኛታት ክፍቲ ኣብ ዝኸውን ስነ ስርዓት ምረቓ “ፓርክ ሓድነት” ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሃምዶክ ኣብ ትዊተር ገፆም ከምዝፀሓፍዎ፥ ኢትዮጵያ ህዝቢ ሱዳን ብምድጋፍ ኣብ እዋን ሽግግር ስልጣን እታ ሃገር ልዑል ተራ ተፃዊታ ኢያ።

ስለዝኾነ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስጋነኦም ከምዘቕርቡ ተዛሪቦም።

ንቐፃሊ እውን እንተኾነ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ሓቢራ ንምስራሕ ዘለዋ ቁርፀኝነት ከምዝገልፁ ሓቢሮም።

Comments
Loading...