Fana: At a Speed of Life!

ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓሶት መረዳእታታት ንምቕናስ ዘኽእሎ ፕሮግራም ጀሚሩ

0 132

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ፌስቡክ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ 10 ሃገራት ኣፈሪካ ናይ ሓሶት መረዳእታታት ንምቕናስ ዘኽእሎ ፕሮግራም ጀሚሩ።

ፌስ ቡክ ናይ ሓሶት መረዳእታታት ንምቕናስ ዘኽእሎ ፕሮግራም ዝጀመረለን ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት እንትኾና፥ ኢትዮጵያ፣ ዛምቢያ፣ ሶማሊያ፣ ቡሪኪናፋሶ፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛኒያ፣ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ኮትዲቫር፣ ጊኔ ኮናክሬን ጋናን ኢየን።

እቲ ፕሮግራም፥ “ሳልሳይ ወገን መፃረዪ ሓበሬታ” ዝብል ስያመ ዘለዎ ከምዝኾነ ድማ ፌስ ቡክ ኣፍሊጡ።

ኣብ ፌስ ቡክ ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ገፃት ምጥፋእ፣ ትኽክለኛ ኣማራፂታት ዜና ምፍላጥን ዘየድሊዩ መልእኽቲታት ንዝውዝዑ ኣካላት ዝግበር ደገፍ ገንዘብ ምክልኻልን ዝብሉ ተግባራት ከምዝፍፀመሉ ድማ ተሓቢሩ።

Comments
Loading...