Fana: At a Speed of Life!

መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ወርሒ ጥቅምቲ ብዝነበሮ መጠን ክቕፅል ኢዩ

0 21

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ወርሒ ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ብዝነበሮ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚስቴር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ብዘይካ ንነፈርቲ ዝኸውን ነዳዲ ካልኦት ዓይነታት ነዳዲ ብዝነበርዎ መሸጢ ዋጋ ክቕፅል ኢዩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝህሉ መሸጢ ዋጋ ንኣውሮፕላን ዝኸውን ነዳዲ፥ 26 ብርን 63 ሳንቲምን ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ንሓደ ሊትሮ 25 ብርን 56 ሳንቲምን ዝሽየጥ ዝነበረ እንትኸውን፥ 1 ብርን 07 ሳንቲምን ወሰኽ ኣርኢዩ ኣሎ ማለት ኢዩ።

 

Comments
Loading...