Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ደብረፅዮን ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬነር ተዛቲዮም

0 39

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬነር ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ማይክል ሬነር ትማሊ ናብ መቐለ ዘምርሑ እንትኾኑ፥ ኣብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ምስ ዶክተር ደብረፅዮን ዝነበሮም ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ክሊቲኦም መራሕቲ ኣብ ክሊ ምትሕብባር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ልዝብ ከምዝገበሩ ድማ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዛዕባታት ትኹረት ብምግባር ተዛቲዮም ኢዮም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ እውን ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ኣብ ዝነበሮም ሓፂር ፃንሒት ጉዳይ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራን ምዕባልኡን ብዝምልከት ምስ ኣመራርሓ እቲ ዩንቨርስቲ ተዛቲዮም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ከይዲ ስምምዕ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ፕሮፌሰር ክንደያን ምሁር ፖለቲካ መረሳ ፀሃየን እቶም ኣምባሳደር ንዘቕረብዎ ሕቶታት ምላሽ ሂቦም።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብግደኦም፥ መንግስቲን ህዝብን ትግራይ ኣብ ክሊ እቲ ጉዳይ ዘለዎም ሓሳብ ብዝምልከት ገሊፆም።

Comments
Loading...