Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ፕሮጀክትታት ልምዓት ደቡብ ሱዳን ንምድጋፍ ከምዝተዳለወ ገሊፁ

0 24

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ፕሮጀክትታት ልምዓት ደቡብ ሱዳን ንምድጋፍ ዘኽእል መፅናዕቲ ብምዝዛም ናብ ተግባር ንምእታው ከምዝተዳለወ ገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ኣብታ ሃገር ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንዝገበሩ ኣመሓዳሪ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ባጫ ጊናን ኣብ ደቡብ ሱዳን ፍሉይ መልእኽተኛን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ፌዴሪኢን ተፈሪ ታደሰን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ብምቕባል ኣዘራሪበሙዎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብ ዴፕሎማሲያዊ ሓሊፉ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ብምትሕግጋዝ ህዝቢ ንህዝቢ ዝተደገፈ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ርክብ ንግዲ ንምፍጣር ዓሊመን ብመሬት ትራንስፖርት ምርኻብ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ደቡብ ሱዳን ናብ ህንፀት ኢኮኖሚ ትሰጋገር ስለ ዘላ እታዎታት ኮንስትራክሽን ካብ ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር ንምእታው ዝሕግዝ ክልቲአን ሃገራት ብመንገዲ ምርኻብ ኣድላዪ ከምዝኾነ ድማ ተዛሪቦም።

ኣመሓዳሪ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ባጫ ጊና ብግደኦም፥ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ደቡብ ሱዳን ብምሕጋዝ ክልቲአን ሃገራት ምትእስሳር ኢኮኖሚ ንክህልወን ዘኽእል ስራሕ ከምዝዓምም ተዛሪቦም።

ነዚ እውን ፕሮጀክትታት ልምዓት ደቡብ ሱዳን ንምድጋፍ ዘኽእል መፅናዕቲ ብምዝዛም ናብ ተግባር ንምእታው ከምዝተዳለወ ገሊፆም።

እቶም ፕሮጀክትታት ንምድጋፍ ምስ መገዲ ኣየርን ኤምባሲን ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝደሊ እውን ሓቢሮም።

Comments
Loading...