Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማሊ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ወተሃደራት ዓቀብቲ ሰላም ሞይቶም

0 65

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ማሊ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ወተሃደራት ዓቀብቲ ሰላም ወድብ ሕቡራት መንግስታት ህይወቶም ሓሊፉ።

ብተወሳኺ ኣርባዕተ ኣባላት ዝቖሰሉ እንትኾኑ፥ እቶም ወተሃደራት ኣብታ ሃገር ሰሜናዊ ሸነኽ “ኣጉኢልሆክ” ኣብ ትበሃል መንደር ወተሃደራዊ ትዕዝብቲ እናገብሩ እንተለዉ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ተሽከርካሪ ብፈንጂ ብምውቅዑ መጉዳእቲ ከምዝበፅሖም ተሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ “ሞፕቲ” ኣብ ዝተብሃለ ኣብ ማእከላዊ ማሊ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ምስ ዝነበሩ መንነቶም ምስ ዘይፍለጡ ዕጡቓት ተኹሲ ከምዝነበረ ድማ ተገሊፁ።

ኣብ ኣፍሪካ ከባቢ ሰሃራ ንዘሎ ስግኣት ፀፅታ ዝኾነ ግብረ ራዕዲ ንምክልኻል ዝዓለመ ኣኽበርቲ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ወተሃደራት ፈረንሳይን ብሓባር ብምዃን ኣብ ማሊ ከምዝንቀሳቐሱ ይፍለጥ።

ፍልፍል፡- ሲ.ጂ.ቲ.ኤን

Comments
Loading...