Fana: At a Speed of Life!

ሃይማኖታዊ ስርዓት ፍትሓት 80 መዓልቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ሎሚመዓልቲ ተሳሊጡ

0 111

ኣዲስኣበባ፣11መስከረም፣2012(ኤፍ.ቢ.ሲ) ሃይማኖታዊ ስርዓት ፍትሓት ነብሲ 80 ማዓልቲ ነበር ኢታማጆር ሽም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ሰዓረ መኮነን ሎሚ 11 መሰከረም 2012ዓ/ም ኣብ ቤተ ክርስትያን ፀርሃ ኣርያም ቅዱሰ ገብረኤል ተሳሊጡ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ደክተር ደብረፅዮን ገብረምካኤለ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሌቴናል ጀነራል ሞላ ሃይለማርያም ሓዊሱ ላዕለዎት ሰብ መዚ ክልል ትግራይ፣ መቓልስቲ ማሓዙትን ሰድራ ስዉእን ተወከልቲ ህዝብ ዓፋርን ነበርቲ ከተማ መቀለን ተረኪቦም።

ኣብቲ ዕለት ንመዘከርታ ጀነራል ሰዓረ ብምክልኻል ሰራዊት ሃገረ ዝተሃነፀ ሓወልቲ ብደክተር ደብረፅዮንን ባዓልቲ ገዛ ጀነራል ሰዓረ ኮለኒል ፅጌ ኣለማዮ ተመረቁ።

ብተወሳኪ ብወከልቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ሰብ መዚ ክልል ትግራይ፣ሰድራ ስዉእንተወከልቲ ህዝቢ ዓፋርን ሕቁፊ ዕንበባ ተነቢሩ።

ዘዛራረብናዮም ባዓልቲ ገዛ ጀነራል ሰዓረ ኮለኒል ፅጌ ኣለማዮን ዓብይ ሓዉ ሰዓረ ኣይተ ሓዱሽ መኮነን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክብሪ ጀነራል ሰዓረ ንምግላፅን ዉፅኢት ከይዲ ምፅራይን ክፍለጥ ይገብሮ ዘሎ ምንቅስቃስ ኣመስገኖም።

ኣብ ከይዲ ምፅራይ ዘሎ ምጉታት ቅሬታ ብምግላፅ መንግስቲ ኢትዮጸያ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዉፅኢት ንህዝቢ ከፍልጥ ፀዊዖም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ደክተር ደብረፅዮን ገብረምካኤለ ብወገኖም እቲ ዉፅኢት ከይዲ ምፅራይ ምድንጋዩ ኣብ ህዝቢ እምነት ፌደራል መንግስቲ ብዝባኣሰ ኣብ ጥርጣረ ዘእተወ ምኮኑ ገለፆም። መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ጉዳይብቀረባ ይከታተሎ ምህላዉሓቢሮም።
ብሙሉጌታ ታደለ

Comments
Loading...