Fana: At a Speed of Life!

ናይ ቀዳምነት ቀዳማይ ኣጀንዳና ልምዓት፣ ሰላምን ምርግጋፅ ድሕንነት ህዝቢናን እዩ- ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን

0 108

ኣዲስ ኣበባ :10 መስከረም:2012 (ኤፍ ቢ ሲ) መልእክቲ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ናይ እንወስዶም መርገፅታትን እንሕዞም ቅዋማትን ቁልፊ መመዘኒ ናይ ህዝቢና ዘላቂን መሰረታዊን ረብሓ ዘረጋግፅ ድዩ ኣይኮነን ዝብል እዩ ። ሎሚ ይኹን ፅባሕ እንወስዶም መርገፅታት ንህዝቢና ብዘለዎ ረብሓን ትርጉም ’ዩ ዝውሰን። ከም መንግስቲ ቁልፊ ዕማምና ድሕንነት ህዝቢና ውሕስ ምግባር፣ ምስፋን ማሕበራዊ ፍትሒን ከምኡ’ውን ዘላቂን መሰረታዊን ተጠቃምነት ህዝቢና ዘረጋግፅ ኩለመደያዊ ልምዓት ክውን ምግባርን እዩ።

ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ድማ ሕዚ’ውን ናይ ቀዳምነት ቀዳማይ ኣጀንዳና ልምዓት፣ ሰላምን ምርግጋፅ ድሕንነት ህዝቢናን እዩ እንብል።

ስለዝኾነ ነብሲ ወከፍና ድማ ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዓውደ ስራሕ ብመንፅር እዚ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ መመዘኒ መነባብሮን ህይወትን ህዝብና ንምልዋጥ ክነጥፍ፣ ጭቡጥ ለውጢ ንምርግጋፅ ክንሰርሕ ይግባእ።

Comments
Loading...