Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 68 ሚልዬን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ሆቴል ኣብ ከተማ ፍረወይኒ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቁ

0 122

ኣዲስ ኣበባ :10 መስከረም 2012:(ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 68 ሚልዬን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ሆቴል ኣብ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ከተማ ፍረወይኒ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቁ።

ሰብ ዋና እቲ ሆቴል ኣይተ ገብረመስቀል ኣባዲ ከምዝበልዎ እቲ ሆቴል ኣብ 2007 ዓም ስርሑ ዝጀመረ እንትኾን ልዕሊ 68 ሚልዮን ብር ፈሰስ ተገይሩሉ ።

ኣብቲ ስነስርዓት ምረቃ ሆቴል ዝተረኸቡ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ኣይተ ኪዳነ ጌታሁን ብግደኦም እቲ ከባቢ መስሕብ ቱሪስት ዘለዎ ከባቢ ብምዃኑ ሆቴል ኢንቨስትመን ኣዋፀኣይ እዮ ኢሎም።

ኣብ ሆቴል ኢንቨስትመንት ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ማኒፋክቸሪንግ ውን ክነጥፋ ይግባእ ኢሎም።

ኮሚሽን ኮሚሽነር ኢንቨስትመንትን ሰደድን ትግራይ ኢንጅነር ኣበበ ግርማይ ድማ እቲ ኮሚሽን ንቀፃሊ ኣብ ሆቴል ይኩን ካልኦት ኢንቨስትመንትን ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም።

ብዮናታን ግዛቸዉ

Comments
Loading...