Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ብዝበጽሐ መጥቃዕቲ ዋጋ ነዳዲ ንሂሩ

0 90

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 መስከረም ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቀዳም ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ዋጋ ነዳዲ ክንህር ምኽንያት ኮይኑ’ሎ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ መጻረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፡ ቀረብ ነዳዲ ዓለም ብ 5% ዝነከየ ክኸውን ከሎ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ዋጋ ድፍድፍ ነዳዲ ካብ 15 ክሳብ 19 ምኢታዊት ናህሪ ኣርእዩ።

እቶም መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ትካላት፡ ናብ ንቡር ኣገልግሎቶም ክምለሱ ሰሙናት ከምዘድሊ ድማ ተገሊጹ።

ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብኢራን ዝተፈጸመ እዩ ክትብል ከሲሳ እያ።

ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፐዮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብየመናውያን ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ ተፈጺሙ ንዝበል ሓበሬታ ነጺግዎ።

Comments
Loading...