Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ንኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ካብ ሓላፍነቶም ኣባሪረሙዎም

0 95

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጳጉሜን፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጆን ቦልቶን ካብ ሓላፍነቶም ኣባሪረምዎም።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ምስ ዝበዝሑ ብኣማኻሪኦም ዝቐርበሎም ምኽረ-ሓሳባት ክስማማዑ ከምዘይከኣሉ ገሊፆም።

ስለ ዝኾነ ንጆን ቦልቶን፥ “ትማሊ ለይቲ ድሕሪ ሕዚ ንዋይት ሃውስ ኣገልግሎትካ ኣየድልዮን”  ኢለ ነጊረዮ እየ ክብሉ ተዛሪቦም።

“ንመብዛሕትኡ ምኽረ-ሓሳባቱ ኣይተቐበልኩዎን” ኢሎም ብምፅሓፍ ድማ ኣብ ዝመፅእ ሰሙን ሓድሽ ኣማኻሪ ከምዝሸሙ ሓቢሮም።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጆን ቦልቶን፥ መራሒ ጣሊባን ናብ ኣመሪካ ተፀዊዑ ክእንገድ ሓሳብ ምሰኣቕረቡ ከምዝተሰጎጉ ይንገር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

 

Comments
Loading...