Fana: At a Speed of Life!

ወረዳታት ከምብሓዱሽ ንምውዳብ ዝተገበረ መፅናዕቲ ምስ ህዝቢ ዘተ ምስተኻየደሉ ተግባራዊ ከምዝግበር ተገሊፁ

0 99

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ፀገማት ብናይ ምሁራት መፅናዕቲ ንምፍታሕ ፃዕሪ ዝተኻየደሉ ዓመት ከምዝነበረ ምክትል ርእሰም ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ከምዝበልዎ ኣወዳድባ ጣብያታት ንክመሓየሽ ዓሊሙ ብፍላይ ህዝቢ ዘንፀርፅረሉ ዝነበረ መሓውር ፍትሒ ጣብያ ክዕረይ ክኢሉ ኢሎም።

ምሁራን ምምሕዳር ጣብያታት ክመርሑ ዝተገበረ ለውጢ ውን ፀገም ሕ/ሰብ ዝፈትሕ ነይሩ እዪ ኢሎም።

ወረዳታት ትግራይ ከም ብሓድሽ ውዳበአን ክፍተሽ ተጌሩ እዩ ዝበሉ እቶም ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር፥ ምስ ህዝቢ ዘተ ምስተኻየደሉ ናብ ተግባር ክኣቱ እዮ ክብሉ ገሊፆም።

ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፈትሑ ካብ ዝተብሃሉ ምጥያሽ ኤጀንሲ ስታስቲክስ ትግራይ፣ ኢንስቲትዮት መፅናዕቲን ምርምርን ትግራይን ኮሚሽን ኢንቨስትመንትን ሰደድን ከም እዎንታ ገሊፆምዎ ዶክተር ደደብረፅዮ።

እዚኦም ኩሎም ብመፅናዕቲ ዝተሓገዙ ነይርም ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ቅድሚ ሐዚ ቃል ዝተኣተው ብምምላስ ኣብ ህዝቢ ምትእምማን ተፈጢሩ ኢሎም።

ኣብ ዓመተ 2011 መጠሻ መሬት ንመናእሰይ ኣብ ምሃብን ጣብያታትን ወረዳታትን ዘራኽቡ መገድታትን ተሰሪሖም እዮም።

እቶም ኣብ 2011 ዓ/ም ዝተፈፀሙ ዝተባብዑ ስራሕቲ ኣብ 2012 ዓ/ም ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኩሉ ግድኡ ከበርክት ይግባእ ኢሎም።

ብዮናታን ግዛቸዉ

Comments
Loading...