Fana: At a Speed of Life!

ምቅታል፣ ምፅላእን ንወገንካ ምምዝባልን ምስ ኣረጊት ዘበን ክበሊ ይግባእ-ብፁእ ወ ቅዱስ ኣቡነ ማትያስ

0 115

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጳጉሜን፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ምቅታል፣ ምፅላእን ንወገንካ ምምዝባልን ምስ ኣረጊት ዘበን ክበሊ ከምዝግባእ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘ ኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘ ኣክሱም ወ እጨጌ ዘ መንበረ ተክለ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወ ቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብፁዕ ወ ቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ሓዱሽ ዓመት ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዓመተ 2012 ምፍቓርን ሓድነትን ዝነገሰሉ ዓመት ንክኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ንምላእ ኢትዮጵያውያን፥ እንኳዕ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ ኣሸጋገረኩም እውን ኢሎም።

እቲ ሓዱሽ ዓመት ኩነታት ፍፁም ከምዝተሓደሰ ዝብሰረሉ ስለ ዝኾነ፥ ሓዱሽ ዓመት እንትንቅበል ልብና ክሕደስ ይግባእ እውን ተማሕፂኖም።

ምፍልላይ፣ ምቅታል፣ ንወገንካ ምምዝባልን ኣብያተ ሃይማኖት ምድፋርን ምስ ኣረጊት ዘበን ክበልዩ ዝግበኦም ኢቶም ዝበሉ ኣቡና ማቲያስ፥ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ሰላም ንምዕሳል ምሕሳብን ምፅዓርን ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሓዱሽ ዓመት ዘበነ ሰላም፣ ፍቕሪን ሓድነትን ንክኸውን ድማ ተመኒዮም።

Comments
Loading...