Fana: At a Speed of Life!

2011 ዓ.ም ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝተጠናኸረሉ ዓመት ነይሩ- ዶክተር ደብረፅዮን

0 60

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ መዓልቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓዱሽ ዓመት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣተሓላሊፎም።

እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ድማ፥ ዓመተ 2011 ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝተጠናኸረሉ ዓመት ከምዝነበረ ገሊፆም።

ኣብዚ ዓመት ንህዝቢ ትግራይ ሰላሙን ሓድነቱን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዕላዊ ወፍሪ ብሓይልታት ትምክሕቲ ተካይድሉ እዮ ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ ኣብ 2010 ዓ.ም ዝነበረ ፀለመ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኢሎም።

ከም መርኣያ ዝበልዎ ድማ ብማሕበራውን መንግስታውን ሚድያታት ዝተቃልሐ ዶክመንተሪ ፊልም እዩ።

ብሰንኪ እዚ ድማ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ክመዛበሉ ክኢሎም እዩም ኢሎም።

ሓይልታት ትምክሕቲ ኣብዚ ዓመት ህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ፃዕሪ ኣካይዶም እዮም ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፥ ክሳብ ቅንፀላ ጀነራላት ውን ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ኣብ ተጋሩ ተፈፂሙ።

ተጋሩ ምእሳር ከም ሓደ መገዲ መሰኮኒ ተጋሩ ተጠቒሞምሉ እዮም ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፥ ከም መንግስቲን ህዝቢ ትግራይን ዘጥፈአ ኩሉ ይተሓተት ኢልና ተቃሊስና ኢና ኢሎም።

ነዚኦምን ካልኦትን ጉዳያት ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ብምጥንኻር ከምዝመከቶ ኣዘኻኺሮም።

ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ብምጥንኻሩ ድማ ትግራይ ሰላማ ውሑስ ኮይኑ ኢሎም።

ኣብ 2012 ዓ.ም ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ክብሉ ድማ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብዮናታን ግዛቸው

Comments
Loading...