Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ኑዩክሌር ብዝምልከት ምስ ኣሜሪካ እተካይዶ ዝነበረት ዘተ ዳግማይ ክጅመር ከመእትደልይ ተዛሪባ

0 125

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2011(ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ተካይዶ ዝነበረት ኑዩክሌር ዝምልከት ዘተ ኣብ ምዝዛም እዚ ወርሒ ዳግማይ ከትጅምሮ ከም እትደሊ ምክትል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብኽልቲኡ ወገናት ቅቡል ዝኾነ ሓፈሻዊ ዝርርብ ንምጅማር ፍቓደኛታት ምዃኖም ቾ ሶን ሂ ሓቢራ።

ንሳ ነዚ ዝበለት፥ ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ዘተ ናይ ምቕፃል ተስፋ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፁ እዩ።

ሚስ ቾ ነዚ መግለፂ ድሕሪ ምሃባ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፥ ካብ ምብራቓዊ ገማግም ሰሜን ኮርያ ንፈተነ ክልተ ናይ ሓፃር ርሕቐት ሚሳይል ተተኲሱ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ተመሳሳሊ ፈተነታት ክካየዱ ምፅንሖም ይዝከር።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፈላሚ ርክብ፥ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ንሓውሲ ደሴት ኮርያ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኒዩክሌር ነፃ ናይ ምግባር ስምምዕ በፂሖም ነይሮም።

እንተኾነ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑን ብኸመይ ከም ዝትግበርን ኣይተነፀረን።

ንዝርዝራቱ ኣመልኪቱ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሃኖይ ቬትናም ዝተኻየደ ርክብ እውን ውፅኢታዊ ኣይነበረን።

ሚስ ቾ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፥ ሰሜን ኮርያ ኣብ መወዳእታ መስከረም ገፅ ንገፅ ንምርኻብ ፍቓደኛ ምዃና ኣፍሊጣ።

ዋሽንግተን ናብቲ ዘተ ብሓድሽ ኣቀራርባ ክተመፅእ እውን ሓቲታ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

 

Comments
Loading...