Fana: At a Speed of Life!

ሓድነት ዘምፅእን ኣፈላላይ ዘኽብርን ምክረ ሓሳብ ንምቕራብ ይስራሕ ኣሎ-ኮሚሽን ጉዳያት መንነትን ምምሕዳር ወሰንን

0 54

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓድነት ዘምፅእን ኣፈላላይ ዘኽብርን ምክረ ሓሳብ ንምቕራብ ይስራሕ ከምዘሎ ኮሚሽን ጉዳያት መንነትን ምምሕዳር ወሰንን ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ብመሰረት ዝተጣየሸሉ ኣዋጅ፥ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ካብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢን ናብቲ ኮሚሽን ዝተልኣኹ ፀገማት ብዝምልከት ናይ ምፅናዕ ስራሕቲ የሳልጥ ከምዘሎ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዶክተር ጣሰው ገብሬን ምክትል እቲ ኮሚሽነር ዑስታዝ ኣቡበክር ኣሕመድን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኮሚሽን ጉዳያት መንነትን ምምሕዳር ወሰንን ስርሑ ገለልተኛ ብምዃን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጣልቃ ኣእታውነት ከምዝፍፅም ተዛሪቦም።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ.ም ዝተጣየሸ እንትኸውን፥ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ምስ ዓርሰ ምሕደራ፣ ምስ ማንነትን ወሰንን ብዝተተሓሓዘ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕን ንምልላይን ዘኽእሉ ምኽረ ሓሳባት ዘቕርቡ 41 ኣባላት ብምሿም ናብ ስራሕ ምእታዉ ይዝከር።

ብመለሰ ምትኩ

Comments
Loading...