Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 7 ሚሊየን ብርን 53 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካን ተታሒዙ

0 87

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሸን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 7 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብርን 53 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካን ብዘይሕጋዊ መገዲ የሽርፉ ካብ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እቲ ገንዘብ ህዝቢ ብመሰረት ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ኣዲስ ኣበባ ዝተትሓዘ እንትኸውን፥ ኣብ መንበሪ ተጠርጠርቲ ሃንደበት ብዝተገበረ ተፍቲሽ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዝተገበረ ተፍቲሽ፥ 7 ሚሊየንን 608 ሺሕን ብር፣ 53 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ከምኡ እውን ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ገንዘብን መቑፀሪ ገንዘብ ማሽንን ምርካቡ ሓላፊ ዲቪዚዮን ገበንን ምርመራ ሓደጋ ትራፊከን እቲ ክፍለ ከተማ ኮማንደር ኣወል ኣሕመድ ተዛሪቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ፥ ዜጋታት ወፃኢ ዓዲ ኣብ ዝበዝሕሉ ከባቢ ብምፅናዕ ቪላ ገዛውቲ ብምክራይ ብዘይሕጋዊ መገዲ ገንዘብ ወፃኢ ዓዲ የሽርፉ ከምዝነበሩ እውን ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ደለልቲ ሓዊሱ 10 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

Comments
Loading...