Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ ዓሪፎም

0 64

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጳጉሜን፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ ኣብ መበል 95 ዕድሚኦም ዓሪፎም።

ንሱ ብሕማም ምኽንያት ከም ዝሞተ ስድርኡ ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም።

ሮበርት ሙጋበ ንኣስታት 30 ዓመት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምፅናሕ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ብዕልዋ መንግስቲ’ዮም ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም።

ሚኒስቴር ትምህርቲ ዚምባብዌ ”መንግስተ ሰማይ የዋርስካ ሮበርት ሙጋበ” ክብል ኣብ ትዊተር ፅሒፉ።

ፕሬዚዳንንት ሙጋበ፥ እታ ሃገር ናፅነታ ካብ ዝኣወጀትሉ 1980 ኣትሒዞም ‘ዮም ኣብ ስልጣን ፀኒሖም።

21 ለካቲት 1924 ኣብቲ ሸዑ ሮደሽያ ትበሃል ዝነበረት ዚምባብዌ እዮም ተወሊዶም።

ኣብቲ እዋን ንዚምባብዌ ዝገዝእ ዝነበረ መንግስቲ ሮደሽያ ብምንቃፎም ድማ ንልዕሊ 10 ዓመት ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም።

ሙጋበ ኣብ 1973 ኣብ ቤት-ማእሰርቲ እንከሎዉ እዮም ፕሬዚዳንት ዚምባብዌ ክኾኑ ተመሪፆም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...