Fana: At a Speed of Life!

ግብሪ መንግስቲ ብትኽክል ኣብ ልዕል ዘይኸፍሉ ኣካላት ዘየዳግም ስጉምቲ ክንወስድ ኢና- ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

0 51

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብሪ መንግስቲ ብትኽክል ኣብ ልዕሊ ዘይኸፍሉ ኣካላት ዘየዳግም ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

ስነ ስርዓት ምሃብ ኣፍልጦ መሪሕ ከፈልቲ ግብሪ ዓመተ 2011 ክልል ኦሮሚያ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብ’ቲ መድረኽ ኣፍልጦ ዝተረኸቡ ኣይተ ሽመልስ፥ ግብሪ መንግስቲ ብትኽክል ኣብ ልዕሊ ዘይኸፍሉ ነጋዶ ዘየዳግም ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ መኽዘን ብምህናፅ እኽሊ ዘይኮነስ ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራት ንዝፍፅሙ ሰብ ሃፍቲ ኣጠንቂቖም።

ብተወሳኺ ፍትሒ ብምዝባዕ ልዕልነት ፖለቲካን ኢኮኖሚን ንምቁፅፃር ፃዕሪ ንዝገብሩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ከምዝግባእ አገንዚቦም።

“ኦሮሚያ ንፍትሒ እምበር ንስርቂ ቦታ ኣይብላን” ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ ብዘይ ምንም ድርድር ልዕልነት ሕጊ ክነኽብር ኢና ኢሎም።

እቲ ክልል ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምዃን ዘይሕጋዊ ነጋዶ ንምቁፅፅር ከምዝሰርሕ እውን ሓቢሮም።

ግብሪ መንግስቲ ብትኽክል ንዝኸፍሉ ነጋዶ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ግልጋሎት ንምሃብ ከምዝስራሕ እውን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ኣፍልጦ፥ ኣብ ዓመት ክሳብ 77 ሚሊየን ብር ግብሪ ዝኸፍሉ ነጋዶ ተሳቲፎም ኢዮም።

Comments
Loading...