Fana: At a Speed of Life!

ክልተ ርእሲ ዘለዎ ተመን ኣብ ጫካታት ኒው ጀርሲ ኣሜሪካ ተረኺቡ

0 1,516

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) “ዳብል ዴቭ” ዝተሰመየ ክልተ ርእሲ ዘለዎ ተመን ኣብ ጫካታት ኒው ጀርሲ ኣሜሪካ ተረኺቡ

እቲ ተመን ዝሓለፈ ወርሒ ብኽልተ ሰራሕተኛታተ እቲ ጫካ ዝተረኸበ እነትኸወን፥ እቲ ተረእዮ ሳሕቲ ዘጋጥም ምዃኑ ተሓቢሩ።

ክልተ ርእሲ፣ ኣርባዕተ ኣዒንትን ክልተ መልሓስን ዘለዎ ተመን ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።

ተጣባቒ ኣከባቢ ዴቭ ሽነይደር እቲ ተመን ኣብቲ ጫካ ብህይወት ናይ ምፅናሕ ዕድሉ ፀቢብ ምንባሩ ገሊፁ።

እቲ ተመን ክሃድም ክፍትን ከሎ ኣካላቱ ከም ዝደርቕ፥ እዚ ድማ ዝያዳ ግዳይ ከም ዝገብሮ ዴቭ ሓቢሩ።

ሚስተር ሽነይደር ምስ መሳርሕቱ ብዛዕባ ተመን መፅናዕቲ እናኣካየዱ ብ25 ሓምለ እዮም ነቲ ተመን ዝረኸብዎ።

እቲ ተመን ዳብል ዴቭ ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ድማ ክልቲኦም ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱ ዝነበሩ ተመራመርቲ ስማቶም ዴቭ ብምንባሩ እዩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...