Fana: At a Speed of Life!

ኣመሪካ ንመርከብ ኢራን ኣሕሊፉ ንክህባ ንህንዳዊ ባሕረኛ ሚልየናት ዶላር ከምዝቐረበትሉ ተገሊፁ

0 55

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ነታ “ኣድርያን ዳርያ 1” እትበሃል ናይ ኢራን መርከብ ኣሕሊፉ ንክህባ ንህንዳዊ ሓለቓ እታ መርከብ (ካፒቴን) ሚልየናት ዶላር ከምዘቕረበትሉ ኣረጋጊፁ።

እታ ነዳዲ እትፅዕን መርከብ፥ ቀንዲ መግለፂ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ኢራንን ኣመሪካን ኮይና ዘላ እያ ተባሂሉ።

እቲ ባሕረኛ ነታ መርከብ ኣመሪካ ክትቅይዳ ናብ ዘኽእላ ዝኾነ ቦታ ክመርሓን ሚልየናት ክወሃቦ ከምዝኽእልን ዝገልፅ ኢሜይል ከምዝተልኣኸሉ ተሓቢሩ።

እታ መርከብ፥ ነዳዲ ናብ ሶሪያ ተግዕዝ ነይራ ብዝብል ኣብ ወርሒ ሓምለ ብብሪታኒያ ተቐይዳ ነይራ።

መርከብ ኣድርያን ዳርያ 1፥ ኣብ ጀበል ጣርቕ ተቐይዳ ድሕሪ ምፅነሓ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጉዕዞኣ ክትቅፅል እኳ እንተተፈቐደላ ኣመሪካ ግን ሕዚ’ውን ክትቅየድ እያ ትደልያ።

መንግስቲ ኣመሪካ ነታ መርከብ ዝሓለፈ ዓርቢ እዩ ኣብ ፀሊም መዝገብ ኣስፊርዋ።

እታ መርከብ 2 ነጥቢ 1 ሚልየን በርሚል ድፍድፍ ነዳዲ ኢራን ንምግዓዝ ከምእተገልግልን እቲ ኣታዊ ድማ ንሰራዊት ሓለዋ ሰራዊት ኢራን ዝውዕል ምዃኑን እያ ኣመሪካ እትኸስስ።

ኣመሪካ ንሓለዋ ሰራዊት ኢራን ከም “ኣሸባሪ ትካል” እያ ትርእዮ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...