Fana: At a Speed of Life!

ኣቦ መንበር ኮሚሸን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ ወፃእተኛታት ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ኣውጊዞም

0 43

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣቦ መንበር ኮሚሸን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ጆሃንስበርግ ዘለዉ ናዕበኛታት ኣብ ልዕሊ  ህይወትን ንብረትን ወፃእተኛታት ንዘብፅሕዎ ዘለዉ ጉድኣት ኣውጊዞም።

እቶም ኣቦ መንበር መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዘጋጠመ ውራ ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ናዕበኛታት ምእሳሩ ድማ ንኢዶም።

ንብረትን ህይወትን ወፃእተኛታት ንምክልኻል ዝግበር ዘሎ ስጉምቲ ተጣናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ዝሓበሩ ሙሳ ፋቂ ማህማት፥ ኢኮኖሚያውን ካልኦት ሓደጋታትን ንዝበፅሖም ዜጋታት ኣድላዪ ፍትሒ ክወሃቦም ይግባእ ኢሎም።

ኮሚሸን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ብምስላፍ ኣድላዪ ድጋፍ ከምዝገብር እውን ኣረጋጊፆም።

Comments
Loading...