Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መበል 12 ዙር ፀወታታት ኣፍሪካ ዝተሳተፉ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

0 87

ኣዲስ ኣበባ፣  27 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መበል 12 ዙር ፀወታታት ኣፍሪካ ዝተሳተፉ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ነቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ፥ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ስፖርት ኢትዮጵያ ኣይተ ጌታቸው ባልቻ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስን ሓዊሱ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ኣካላት ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ነቲ ጉጅለ ልኡኽ “ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም” መልእኽቲ ዘስምዑ ኣይተ ጌታቸው ባልቻ፥ እቲ ውፅኢት ንክመፅእ ንዝገበሩ ኣትሌታት ልዑል ክብሪን ምስጋናን ይግበኦም ኢሎም።

ነቲ ጉጅለ ስፖርት ዝግበር መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ብዝምልከት ንቐፃሊ ከምዝህሊ እውን ተዛሪቦም።

ተወዳደርቲ ነቲ ኣብ ሞሮኮ ዘሎ ፀባይ ኣየር ብምፅዋር እቲ ውፅኢት ምምዝጋቦም ዘተባብዕ ከምዝኾነ ድማ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሸብር ገሊፆም።

ንኣትሌታት፣ ኣሰልጠንቲ፣ ሰብ ሞያ ቴክኒክ፣ ሰብ ሞያ ሚዲያ ብድምሩ እቲ ውፅኢት ንክመፅእ ልዑል ግደ ንዝነበሮም ብሙሉኦም ብስም ኮሚቴ ኦሎምፒክ አመስጊኖም።

ጉጅለ ልኡኽ ስፖርት ኢትዮጵያ ኣብ 13 ዓይነታት ስፖርት ብምስታፍ፥ 6 ወርቂ፣ 5 ብሩርን12 ነሃስን ብምዕታር ብብርኪ ኣፍሪካ ታሽዓይ ደረጃ ብምሓዝ እቲ ውድድር ምዝዛሙ ይፍለጥ።

Comments
Loading...