Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር መላእ ኣፍሪካ ብኣትሌቲክስ ሳልሳይ ሜዳሊያ ወርቂ ዓቲራ

0 40

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 12 ዙር ፀወታታት መላእ ኣፍሪካ ብኣትሌቲክስ ሳልሳይ ሜዳሊያ ወርቂ ዓቲራ።

ትማሊ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር መሰናክል ደቂ ኣኒስቲዮ፥ 1 ፅዋዕ ወርቂን 1 ነሓስን ረኺባ።

ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 12 ዙር መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ናይ ሰሉስ ምሸት ውድድር ሓደ ወርቂ፣ ክልተ ብሩርን ሰለስተ ነሓስን ብድምሩ ሸውዓተ ሜዳሊያ ምዕዋቶም ይዝከር።

10 ሺሕ ሜትሮ ዝሸፈነ ብደቂ ተባዕቲዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር፥ ብርሃኑ ወንድሙ ቀዳማይ፣ ጀማል ይመር ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ዛዚሞም።

ብደቂ ኣኒስቲዮ ድማ ሂሩት መሸሻ ኣብ ውድድር 800 ሜትሮ ቀዳመይቲ ብምዃን ወርቂ መዳሊያ ዝዓተረት ኣትሌት ኢያ።

ብተመሳሳሊ ብዝላ ብራኻ፥ ኣርኣያ ዲቦ ተሸላሚት ሜዳሊያ ነሓስ ኮይና።

ኣብ ፈላማይ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ 5 ሺሕ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ ድማ፥ ሃዊ ፈይሳ ተሸላሚት ብሩር ብምዃን ተዓዊታ።

ብተመሳሳሊ ርሕቐት ኣለሚቱ ታሪኩ ተዓዋቲት ነሓስ ከምኡ እውን 3 ሺሕ ሜትሮ ኣብ ዝሸፈነ ውድድር መሰናክል ደቂ ተባዕቲዮ ጌትነት ዋሌ ሜዳሊያ ብሩር ረኺቡ ኣሎ።

ኣብ ውድድር ጉስጢት 52 ኪሎ ግራም ድማ፥ ዳዊት በቀለ ተሸላሚ ሜዳሊያ ነሓስ ኮይኑ ኣሎ።

Comments
Loading...