Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ፀወታታት ክልተ ወርቂ መዳሊያ ተዓዊታ

0 88

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መሮኮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 12 ዙር መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ ክልተ ወርቂ መዳሊያ ተዓዊታ።

እቶም ሜዳሊያታት ወርቂ ብውድድር ኣትሌቲክስ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ክልተ ብሩርን ሰለስተ ነሓስን ብድምሩ ሸውዓተ ሜዳሊያ ብምርካብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ከምዘላ ተገሊፁ።

10 ሺሕ ሜትሮ ዝሸፈነ ብደቂ ተባዕቲዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር፥ ብርሃኑ ወንድሙ ቀዳማይ፣ ጀማል ይመር ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ዛዚሞም።

ብደቂ ኣኒስቲዮ ድማ ሂሩት መሸሻ ኣብ ውድድር 800 ሜትሮ ቀዳመይቲ ብምዃን ወርቂ መዳሊያ ዝዓተረት ኣትሌት ኢያ።

ብተመሳሳሊ ብዝላ ብራኻ፥ ኣርኣያ ዲቦ ተሸላሚት ሜዳሊያ ነሓስ ኮይና።

ኣብ ፈላማይ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ 5 ሺሕ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ ድማ፥ ሃዊ ፈይሳ ተሸላሚት ብሩር ብምዃን ተዓዊታ።

ብተመሳሳሊ ርሕቐት ኣለሚቱ ታሪኩ ተዓዋቲት ነሓስ ከምኡ እውን 3 ሺሕ ሜትሮ ኣብ ዝሸፈነ ውድድር መሰናክል ደቂ ተባዕቲዮ ጌትነት ዋሌ ሜዳሊያ ብሩር ረኺቡ ኣሎ።

Comments
Loading...