Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታን ካኑን ብማዕረ ውፅኢት ተፈላልየን

0 49

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታን ካኑ ስፖርት ክለብን ሎሚ መዓልቲ ፀወተአን ኣብ ስታዲየም ትግራይ ኣካይደን።

መቐለ 70 እንድርታ ሻምፒዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2011 ከምዝኾነት ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ኣብ መፃረዪ ውድድር ቻምፒየንስ ሊግ ካፍ፥ ኢትዮጵያ ብምውካል ዝተፃወተት ጋንታ ኢያ።

እታ ኣብ መድረኽ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ንመፈለምታ እዋን ዝተሳተፈት መቐለ 70 እንደርታ፥ ኣብ ማላቦ ኣብ ዘካየደቶ ቀዳማይ ዙር ፀወታኣ 2 ብ1 ብዝኾነ ፀቢብ ውፅኢት ብካኖ ስፖርትስ ኣካዳሚ ከምዝተረትዐት ይዝከር።

ሎሚ ዕለተ ሰምበት ኣብ ሜዳኣ ኣብ ዘካየደቶ ፀወታ ድማ 1 ን1 ብዝኾነ ውፅኢት ፀወታ ተዛዚሙ ኣሎ።

በዚ ድማ ብሓፈሻዊ ውፅኢት ካኑ 3 ብ2 ብዝኾነ ውፅኢት ናብ ቀፃሊ ዙር ሓሊፋ።

Comments
Loading...