Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታን ካኑን ፅባሕ ፀወተአን ኣብ ስታዲየም ትግራይ ከካይዳ ኢየን

0 218

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታን ካኑ ስፖርት ክለብን ፅባሕ ፀወተአን ኣብ ስታዲየም ተግራይ ከካይዳ ኢየን።

መቐለ 70 እንድርታ ሻምፒዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2011 ከምዝኾነት ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ኣብ መፃረዪ ውድድር ቻምፒየንስ ሊግ ካፍ፥ ኢትዮጵያ ብምውካል እትፃወት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንድርታ፥ ኣብ መፈለምታ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ዓመተ 2011 ናብ ኢኳቴሪያል ጊኒ ኣምሪሓ ኢያ።

እታ ኣብ መድረኽ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ንመፈለምታ እዋን ዝተሳተፈት መቐለ 70 እንደርታ፥ ኣብ ማላቦ ኣብ ዘካየደቶ ቀዳማይ ዙር ፀወታኣ 2 ብ1 ብዝኾነ ፀቢብ ውፅኢት ብካኖ ስፖርትስ ኣካዳሚ ከምዝተረትዐት ይዝከር።

ይኹን እምበር ኣብቲ ፅባሕ ዕለተ ሰምበት ኣብ ሜዳኣ እትከብሮ ፀወታ 1 ን0 ብዝኾነ ውፅኢት እንተረቲዓ ናብ ቀፃሊ ዙር ናይ ምሕላፍ ዕድላ ሰፊሕ ኢዩ።

Comments
Loading...