Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፕሮጀክት ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ዕላዊ ገይራ

0 55

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ፈላማይ ፕሮጀክት ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ዕላዊ ገይራ።

መንግስቲ ኣሜሪካ እቲ ፕሮጀከት ውፅኢታዊ ንክኸውን ኣድላዪ ድጋፍ ከምዝገብር ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምዕባለ ኢኮኖሚ ዘርኣየት እኳ እንተኾነት፥  ውሽጣዊን ግዳማዊን ብዝኾኑ ፈተናታት እቲ ምዕባለ ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ይቃላዕ ከምዝነበረ ሰብ ሞያ ይገልፁ።

ልዑል ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ፣ ብር ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ምድኻሙ፣ ፅዕንቶ ዕዳን ሰእነት ዕድል ስራሕን ነቲ ምዕባለ ኢኮኖሚ ካብ ዘጋጠሙዎ ፈተናታት ተረቋሕቲ ኢዮም።

እቲ ትማሊ ዕላዊ ዝኾነን ንቐፀልቲ ሰለስተ ዓመታት ተግባራዊ ዝኸውንን ሃገራዊ ፕሮጀክት ማክሮ ኢኮኖሚ፥ ነቶም ፈተናታት ምቕራፍን ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለ ኢኮኖሚ ምርግጋፅን ዝብሉ ቀንዲ ሸትኡ ከምዝኾኑ ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ ተዛሪቦም።

እቲ ፕሮጀክት ለምዓት ብምርግጋፅ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ሓጋዚ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ብምርግጋዕ እቶት ሕድ ሕድ ዜጋ ነክውስኽ ኣብ ምግባር ዝለዓለ እጃም ከምዝሀልዎ ድማ እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይኖር ብግደኦም፥ ኢትዩጵያ እትገብሮ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ነክዕወት መንግስቶም ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ምትሕብባር ኢኮኖሚ መጥንኻርን ልምዲ ልውውጥ ምክያድን ንምዕባለ ልምዓት ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ዕላዊ ዝተገበረ ፕሮጀክት ማክሮ ፋይናነስ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል 4 ሚሊየን ዶላር ድጋፍ ከምዝገብር ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት መሰረተ ልምዓት መገዲ፣ ጥዕናን ኢንቨስትመንትን እተመዝግቦ ንዘላ ውፅኢት እውን ንኢዶም።

ፍልፍል፦ግዜኢ

Comments
Loading...