Fana: At a Speed of Life!

ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ምጅማርን ፈተና 8ይ ክፍሊ ሃገራዊ ምግባርን ኣብ ትግራይ ተግባራዊ ኣይግበርን-ቢሮ ትምህርቲ

0 173

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ምጅማርን ፈተና 8ይ ክፍሊ ሃገራዊ ምግባርን ከም ዘይቕበሎን ኣብ ትግራይ ተግባራዊ ከም ዘይኸውንን ኣፍሊጡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ፖለቲካ ሃገርና ካብ ሕማቕ ናብ ክፉእ እንትከይድ ጨፍለቕቲ ሓይልታት ኩሉ ኣጋጣምታት እንዳተጠቐሙ ሕልሞም ከዐውቱ ይረባረቡ ኣለዉ። ኣብ’ዚ ዓመት ንምይይጥ ዝቐረበ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲ ብሽም ብሙሁራን ዝተፀንዐ እንዳተብሃለን ንዝቐርቡ ሕቶታት እኹል ምላሽ እንተይተውሃበን ብ”ሎሚ ተረኸበ” ኣኻይዳ ናብ ተግባር እንዳሽረፍዎ ይርከቡ።

እቲ ብጣዕሚ ዝገርም እዚ ጉዳይ ብዙሓት ፖሊስታት ትምህርቲ ዝነክእ ኾይኑ እንዳሃለው ላዕለዋት መራሕቲ ፖለቲካ እዛ ሃገር (ኣብ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ዝውስኑ) እንተይተመያጥሉን ሪኢቶ እንተይሃብሉን ናብ ተግባር ምእታው ምጅማሩ ዘይቅኑዕን ኣካል እቲ ጠቅላላይ ወይ ጠርናፋይ ኣተሓሳስባ ምዃኑን ግልፂ እዩ። ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝነበሩና ምይይጣት ኣብ ቋንቋን ብርኪ ትምህርቲን ምሉእ ምርድዳእ ዘይተበፅሓሎም ምዃኑ እንዳፈለጡ ናብ ተግባር ንምእታው ዝገብርዎ ዘለዉ ጉያ እውን ፈፂሙ ተቐባልነት ዘይብሉን ኩሉ ሕብረተሰብ ዓገብ ግበሩ ክብሎም ዝግባእን እዩ።

“ብርኪ ትምህርቲ 6፡2፡4 ኾይኑ ኣሎ” ኢሎም ቅድሚ ምእዋጆም “ንምንታይ ኣድልዩ?” ንዝብል ሕቶ እኹል መብርሂ ምሃብ ዘይተከኣለሉ እንትኸውን፥ ሐዚ ዘሎ ዘይተማእኸለ ምሕደራ 1ይ ብርኪ እንዳሸራረፉ ናብ ምእኹል ስርዓት ንምቕያር ምዃኑ ሩዱእ እዩ። መምሃሪ ቋንቋ ቀዳማይ ብርኪ /1ክሳብ 8 ክፍሊ/ ብ ቋንቋ ኣዶ ኾይኑ እንዳሃለው ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ሃገራዊ ምግባር እንታይ ኣምፀኦ? ብተግባር እውን ምሕደራ እቲ ፈተና ካብ ናታቶም ዓቕሚ ንላዕሊ ምዃኑ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዘመሓደርዎም ሃገራዊ ፈተናታት ተርእዮም እዮም። እቱ ዘሕምም ድማ፥ “ማእኸላይ ካልኣይ ብርኪ” ዝብል ውሻል ብምእታው ብሕገ-መንግስቲ ንክልላት ዝተውሃበ ስልጣን ምሕደራ 1ይ ብርኪ ንምምንጣል ምጉያዮም እዩ።

እቲ ካሊእ ፈፂሙ ተቐባልነት ዘይብሉ፥ “ቋንቋ ኣምሓርኛ ካብ 1ይ ክፍሊ ክጅመር ኣለዎ” ዝብል ምኽረ ሓሳብ እዩ። ኩሉኹም ከምትፈልጥዎ ኣብ ትግርኛን ኣምሓርኛን ዘሎ ናይ ቃላት ምውርራስ ሰፊሕ እዩ። ደቂ ሸውዓተ ዓመት ህፃናት ብሓደ ግዘ እዞም ቋንቋታት ክተምህሮም ምፍታን ህፃናት ምድንጋር ጥራሕ እንተይኮነስ ተጋሩ ቋንቋኦም ከይመልኩ ምግባር እዩ። ሐዚ ዘሎ ኣካይዳ ማለት፥ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ክጅምሩ ዝገብር እውን እንተኾነ ብደንቢ ተፈቲሹ ኣብ ሻውዓይ ክፍሊ ዝጅምሩሉ ኩነታት እዩ ክፍጠር ዘለዎ፡፡

ስለዝኾነ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ 1ይ ክፍሊ ምጅማርን ፈተና 8ይ ክፍሊ ሃገራዊ ምግባርን ዘይተቐበልናዮን ኣብ ክልልና ዘይትግበርን ምዃኑ ክንገልፀልኩም ንፈቱ፡፡

Comments
Loading...