Fana: At a Speed of Life!

ዱር ኣማዞን ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙዎ

0 45

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣግራብ ኣማዞን ዝበፅሕ ዘሎ ባርዕ ሓዊ ኩነኔ-ዓለም ክብሉ ገሊፀምዎ።

ብ“ጂ-7” ኣብ ዝፍለጣ ምዕቡላት ሃገራት ዓብይ መዘራረባ ዛዕባ ክኸውን ከምዘለዎ ድማ ተዛሪቦም።

ማክሮን ኣብ ትዊተሮም ከምዝፀሓፍዎ፥ “ገዛና ባርዕ ኣትዩዎ’ሎ” ክብሉ ገሊፀምዎ።

ፕሬዚዳንት ብራዚል ቦልሶናሮ ብግደኦን፥ “ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ መልክዕ ከትሕዝዎ ይፍትኑ ኣለዉ” ክብሉ ንፕሬዚዳንት ማክሮን ገሲፀምዎም።

ቦልሶናሮ፥ ብራዚል ኣብ ዘይትሳተፈሉ ኣኼባ ጂ-7 ባርዕ ኣማዞን ዛዕባ ንምግባር ምፍታን ሕዚ’ውን ምዕራባውያን ካብ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከምዘይተላቐቑ ዘመላኽት እዩ እውን ኢሎም።

ሓደ ናይ ህዋ ሳተላይት ዝረኸቦ መረዳእታ ከምዘመላኽቶ፥ ኣብ ብራዚል እቲ ባርዕ ብ85 ሚኢታዊ እናወሰኸ እዩ ዝሓድር ዘሎ።

እቲ ዝለዓለ ብፅሒት ዝሕዝ ድማ ባርዕ ኣማዞን ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ተቓወምቲ ውድባት ብራዚል፥ ንፕሬዚዳንት ቦልሶራኖ ሓረስቶትን ስራሕ-ኣልቦ ዝኾኑ መናእሰይን ኣግራብ ክቖርፁ ኣበረታቲዖሞም ብምባል በቲ ዝተላዕለ ሓደጋ ባርዕ ተሓታቲ ይገብሩዎ።

ብዙሓት “ሳምቡእ ዓለምና እዩ” ኢሎም ዝዛረቡሉ ኣግራብ ኣማዞን፥ ንመጠን ዓለማዊ ዋዒ ብመጠኑ ከዝሕል ይኽእል እዩ ተባሂሉ ተስፋ ይግብረሉ።

በቲ ባርዕ ክንደይ ዝኣክል መጠን ሓደጋ ከምዘጋጠመ ግን ክፍለጥ ኣይተኽኣለን።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ካብ ዘጓነፉ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ እዚ ናይ ሕዚ እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...