Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ብሪታንያን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ 120 ሚሊየን ፓውንድ ተፈራሪመን

0 47

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ብሪታንያን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ 120 ሚሊየን ፓውንድ ሎሚ መዓልቲ ተፈራሪመን።

ኣብ’ቲ ሰነድ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣድማሱ ነበበን ሚኒስትር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ልምዓት ብሪታኒያ ኣሎክ ሻርማ ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ካብቲ ዝወሃብ መጠን ገንዘብ እቲ 95 ሚሊየን ፓውንድ፥ ንምጥንኻር ትካላት ፋይናንስ፣ ሓምለዋይ ኢኮኖሚን ኣቕርቦት ፅሩይ መስተ ማይን ከምዝውዕል ተገሊፁ።

ዝተረፈ 25 ሚሊየን ፓውንድ ድማ ንመፈፀሚ ራብዓይ ዙር መርሃ ግብሪ ልምዓት ሴፍቲኔት ክውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ከባቢ ገፀር ንዘለዉ ድጋፍ ውሕስነት ምግቢ ዘድሊዮም ዜጋታት ድጋፍ ምግብን ስራሕቲ ምቕናስ ሓደጋን ንምፍፃም ዝውዕል ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

Comments
Loading...