Fana: At a Speed of Life!

ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ፅባሕ ቀዳም ኣገልግሎት ከምዘይህብ ኣፍሊጡ

0 39

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ምስላጥ ምምሕያሽ ዘመናዊ ሲስተም ፅባሕ ዕለተ ቀዳም 18 ነሓሰ 2011 ዓ.ም ኣገልግሎት ከምዘይህብ ኣፍሊጡ።

ንምስፋሕ ዘመናዊ ኣገልግሎት ዲጅታል ባንኪ፣ ደረጅኡ ዝሓለወ ግልጋሎት ንዓማዊሉ ንምሃብን ዓቕሚ ምጥቃም ቴክኖሎጂ ንምዕባይን ዓሊሙ ይሰርሕ ምህላዉ እቲ ባንኪ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ 18 ነሓሰ 2011 ዓ.ም ምምሕያሽ ዘመናዊ ሲስተም ስለ ዝካየድ፥ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉ ቅርንጫፋት እቲ ባንኪ ግልጋሎት ከምዘይህብ ኣፍሊጡ።

ማሽናት ኤቲ ኤምን ሲ.ቢ .ኢ ብርን ግን ልሙድ ግልጋሎት ከምዝህቡ ገሊፁ።

Comments
Loading...