Fana: At a Speed of Life!

ትካልን ኣገልግሎትን ፖሊስ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ንምግባር ዘኽእል ስራሕቲ ሪፎርም ተጀሚሩ

0 59

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካልን ኣገልግሎትን ፖሊስ ኢትዮጵያ ሞያዊን ዘመናዊን ንምግባር ዘኽእል ስራሕቲ ሪፎርም ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።

ጉጅለ መፅናዕቲ እቲ ሪፎርም፥ ህልዊ ኩነታት ትካልን ኣገልግሎትን ፖሊስ መሰረት ብምግባር ብጥንካረን ድኽመትን ዝረኣዩ ነጥብታት ንምዕቃብን ንምፍታሕን ዘኽእል ሓሳብ ትማሊ ኣቕሪቡ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስቴር ሰላምን ፖሊስ ፌዴራልን ተሳቲፎም።

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ፥ ኣብ ጉዳያት ፖሊስን ሕግን፣ ምምሕዳርን ልምዓትን ሓይሊ ሰብ፣ ትካላዊ ረኽቢን ኣወዳድባን ዘመናዊ ንምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ደረጀኦም ዝሓለዉ ኣቕርቦትን ኣጠቓቕማን ሎጂስቲክስን ቴክኖሎጂን ንክህሉ ዘኽእል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር ሰላም ዝሃቦ ሓበሬታ የረደእ።

ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፋሪያት ካሚል ከምዝበልኡ፥ ትካልን ኣገልግሎትን ፖሊስ ሪፎርም ምግባር ንኢትዮጵያ ኣድላዪ ኢዩ።

ኣብቲ ዝተሰናድአ ሰነድ ብቐፃልነት ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ተኸታታልነት ዘለዎ ዘተ ብምግባር፥ ምምሕያሽ ሕጊ፣ መምርሒታትን ደምቢታትን ከምዝሳለጥ ድማ ኣፍሊጠን።

Comments
Loading...