Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ልምዓት ብሪታኒያ ተዛቲዮም

0 103

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ልምዓት ብሪታኒያ ኣሎክ ሻርማ ተዛቲዮም።

ኣሎክ ሻርማ፥ ብሪታኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ከምእትግፍ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት የካይዱ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ትማሊ ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብምዃን ኣብ ኢንዱስትሪ ዞን ኢስተርን ብኣካል ተዓዚቦም ኢዮም።

ኣብ እዋን እቲ ዑደት፥ መንግስቲ ብሪታኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየዱ ስራሕቲ ኢንቨስትመነት ከምዝድግፍ ምግላፆም ይዝከር።

ብኣላዛር ታደለ

Comments
Loading...